ምንጻል ጥንሲ ብኸመይ ይፍጸም፧
ምንጻል ጥንሲ ክግበረልኪ ባዕልኺ ክትሓትቲ ትኽእሊ ኢኺ። ካብ ሓኪምኪ ወረቐት ከተምጽኢ (ሪፈራል) ኣየድልየክን እዩ፣ ክፍሊ ሕክምና ማህጸን ምስ ዘለዎ ሆስፒታል ብቐጥታ ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንምንታይ ነቲ ጥንሲ ኽትንጽልዮ ከም ዝደለኺ ንሆስፒታል ክትገልጺ ኣየድልየክን እዩ፣ ግዜ ወሲድኪ ኽትሓስብሉ እውን ኣይክትሕተትን ኢኺ።
ምሳና ምስ ተራኸብኪ፡ ንመወዳእታ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ መዓስ ከም ዝነበረኪ ኽንሓትተኪ ኢና። እዚ ድማ ካብ እትጠንሲ ኽንደይ ከም ዝገበርኪ ንምግምጋምን ናይ ሆስፒታል ቈጸራ ክሳዕ ክንደይ ብቕልጡፍ ክወሃበኪ ኸም ዘለዎን ንምፍላጥ እዩ።
ነቲ ጥንሲ ኽትሰድድዮ ማንም ከገድደኪ መሰል የብሉን። ብዘይ ድሌትኪ ምንጻል ጥንሲ ክፍጸም ኣይክእልን እዩ።
እቲ ምንጻል ጥንሲ ብናጻ እዩ
ኵሉ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ሰብ ብመሰረት ሕጊ ኖርወይabortloven (lovdata.no ብኖርወጅያኛ)ምንጻል ጥንሲ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎ። ምንጻል ጥንሲ ነተን ኣብ ኖርወይ ዝነብራ ብነጻ እዩ። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ/EEA ዝመጻ ኣብ ኖርወይ ዘይነብራ፡ ግን ከኣ ኣብዚ ዝሰርሓ ሰራሕተኛታት፡ ብመሰረቱ ነቲ ንምንጻል ጥንሲ ዝኸውን ወጻኢታት ክሽፈነለን ይኽእሉ እዩ። ተወሳኺ መምርሒ ብዛዕባ ወጻእተኛታት ናይ ክንክን ጥዕና ወጻኢታቶም ኣብ ኖርወይ ክሽፈነሎም ዘለዎም መሰል ርአ።
እቲ ምንጻል ጥንሲ ብኸመይ ይካየድ፧
ንመርመራ ናብ ሆስፒታል ክትመጽእ ቈጸራ ኽወሃበኪ እዩ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓኪም፡ ነርስ ወይ ብዓልቲ ሞያ መዋልዳን ክትራኸቢ ኢኺ። ኣብ እዋን መርመራ ጸቕጢ ደምኪ ክዕቅኑ፡ ንልብኽን ሳንቡእክን ክሰምዑ፡ ናይ ደም መርመራ ኽገብሩልኪ፡ ናይ ማህጸን መርመራ እውን ክገብሩልኪ እዮም። ብተወሳኺ ካብ እትጠንሲ ክንደይ ከም ዝገበርኪ ንምርግጋጽ ናይ ኣልትራሳውንድ መርመራ ክገብሩልኪ እዮም። ንውሓት ግዜ ናይቲ ጥንሲ ነቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛኺ ኽትገብርዮ ትኽእሊ ዲኺ ወይስ ኣብ ሆስፒታል ክግበር ኣለዎ ዝብል ንምውሳን ይሕግዝ እዩ። ነቲ ናይ ኣልትራሳውንድ መርመራ ባዕልኪ ኽትርእዮ ኣየድልየክን እዩ።
ኣብ መጀመርታ ወቕቲ ጥንሲ ምንጻል ጥንሲ ክግበር ዝከኣለሉ ክልተ ሜላታት ኣለዉ፣ እዚ ድማ ብመጥባሕትን ብመድሃኒትን ዝግበር ምንጻል ጥንሲ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ፡ ልዕሊ 90% እቲ ቅድሚ መበል 12 ሰሙን ጥንሲ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ብመድሃኒት ኣቢልካ እዩ ዝፍጸም።
ክሳብ መወዳእታ መበል 12 ሰሙን ጥንሲ፡ ብዛዕባ ሜላ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ምውሳን ክትሳተፊ ትኽእሊ ኢኺ። ድሕሪ ምዝዛም መበል 12 ሰሙን ጥንሲ፡ ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ጥራይ እዩ ዝቐርብ።ብዛዕባ ሜላ ምንጻል ጥንሲ ኣብዚ ኣንብብ።
ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና እቲ ምንጻል ጥንሲ ብኸመይ ከም ዝፍጸምን እንታይ ዓይነት ጸገማት ከጋጥመኪ ከም ዝኽእልን ክገልጹልኪ እዮም። ጥንስኺ ከተቋርጺ እንተ መሲንኪ፡ ብዛዕባ ዘድልየኪ ነገራትን ዘሎኪ መሰላትን ሓበሬታን መምርሕን ክትረኽቢ ኢኺ።
ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ውልቃዊ ርእይቶኦም ከይገለጹ፡ ሞያዊ ሓበሬታን መምርሕን ክህቡኺ እዮም።
ክሳብ እቲ ምንጻል ጥንሲ ዝጅምር ሓሳብኪ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ገዛ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ
ክሳብ መወዳእታ 10ይ ሰሙን ጥንሲ፡ እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛ ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ፡ መጀመርታ ንዝያዳ ዕቤት ናይቲ ጥንሲ ደው ዘብል መድሃኒት ክወሃበኪ እዩ። እቲ ከኒና ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝውሰድ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፡ ኣካላትኪ ነቲ ዕሸል ንኸውጽኦ ዝሕግዝ ካልእ መድሃኒት ክወሃበኪ ናብ ሆስፒታል ክትምለሲ ኢኺ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ክትወስድዮ እትኽእሊ ፈውሲ ቓንዛ እውን ክወሃበኪ እዩ። ድሕሪኡ ናብ ገዛኺ ኽትምለስን እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛኺ ኽፍጸምን እዩ።
ኣብ ገዛኺ ምሳኺ ዝኸውን ሰብ እንተ ዘይብልኪ፡ እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛኺ ኽትገብርዮ የብልክን። ምንጻል ጥንሲ ብስምዒት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከቢድ ቃንዛ የጋጥመን እዩ።
ኣብ ሆስፒታል ዝግበር ምንጻል ጥንሲ
ካብ እትጠንሲ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝገበርኪ ብዘየገድስ፡ እንተደሊኺ እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ሆስፒታል ክትገብርዮ መሰል ኣሎኪ። ድሕሪ ዓስራይ ሰሙን ጥንሲ፡ ኣብ ገዛኺ ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ኣይፍቀድን እዩ።
ኣብ ሆስፒታል ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ከምቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ድሕሪኡ ግን ክሳብ እቲ ምንጻል ጥንሲ ዝውዳእ ኣብ ሆስፒታል ክትጸንሒ ኢኺ።
ንውሓት ግዜ ጥንስኺ ኣብ ኣየናይ ክፍሊ ሆስፒታል እቲ ምንጻል ጥንሲ ከም ዝካየድ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ቦታታት ምንጻል ጥንሲ ብሓደ መዓልቲ ከም ዝወሃብ ሕክምና ካብ ደገ መጺኦም ኣብ ዝሕከምሉ ፖሊክሊኒክ ይፍጸም፣ ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ እቲ ሕክምና ኣብ ክፍሊ ሕክምና ማህጸን ዓራት ብምሓዝ ይፍጸም። እቲ ጥንስኺ ነዊሕ ምስ ጸንሐ ምንጻል ጥንሲ ዝካየድ እንተ ዀይኑ፡ ፍሉይ ፈውሲ ቃንዛን ዝያዳ ፍልጠት ዘለዎም ሰብ ሞያን ከድሊ ስለ ዝኽእል፡ እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ክፍሊ ወሊድ ክፍጸም ይኽእል እዩ።
ብመጥባሕቲ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ፡ እቲ ሓኪም ብርሕሚ ኣቢሉ ንመናድቕ ማህጸን ብምጽራግ እዩ ዝፍጸም። ኣብ መስርሕ እዚ ኽካየድ ከሎ መደንዘዚ ኽወሃበኪ እዩ።
ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ
እቲ ዝፈስሰኪ ደም ደው ክሳዕ ዘየበለ፡ ሽምጢ ኣብ ባስካ፡ ኣብ ቀላይ/ባሕሪ ወይ ኣብ መሐንበሲ ክትሕጸቢ ወይ ክትሕምብሲ የብልክን። ታምፖን ክትጥቀሚ ዀነ ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ የብልክን።
ኣካላትኪ ምስ ጥንስቲ ዘይምዃን ንኽላመድ ገለ መዓልታት ይወስደሉ እዩ። እዚ ማለት ድማ ድሕሪ እቲ ምስዳድ ጥንሲ ንሓደ ሰሙን ረስኒ፡ ዕውልውል ምባል፡ ቃንዛ ኣፍልቢ ከምኡውን ካልእ ምልክታትን ክስምዓኪ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ጥንሲ ዝጸናሕክሉ እዋን ነዊሕ ብዝነበረ መጠን፡ እቲ ዝስምዓኪ ምልክታት እውን ብዝያዳ ዝበርትዐን ዝነውሐን ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ እቲ ምልክታት እንተ ዘይጠፊኡ፡ ገና ነፍሰጾር ከም ዘይኮንኪ ንምርግጋጽ፡ ምስ ሓኪምኪ ወይ ምስ ሆስፒታል ተራኸቢ።
መከላኸሊ ጥንሲ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ
ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ነዊሕ ከይጸናሕኪ እንደገና ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ስለዚ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ መከላኸሊ ጥንሲ የድልየኪ እንተ ዀይኑ ኸምኡውንእንታይ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀም ከም እትደሊክትውስኒ ኣሎኪ። ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝግበር መባእታዊ መርመራ፡ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ መምርሕን ምኽርን ክትረኽቢ ኢኺ። .
ትሕቲ 16 ዓመት ዲኺ፧
ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ትሓስቢ እንተ ዄንኪ፡ ምስ ዕድመኽን ብስለትክን ዝመጣጠን ሓበሬታን መምርሕን ክትረኽቢ መሰል ኣሎኪ። ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ንምዝርራብ ምስ ሆስፒታል ብቐጥታ ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ምስቲ ሆስፒታል ርክብ ንምግባር ምእንቲ ኽሕግዙኺ እውን ምስ ነርስ ህዝባዊ ጥዕና ወይ ምስ ሓኪምኪ ክትዛራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ዕድሜኺ ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ዀይኑን ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንተ ደሊኽን፡ ብመሰረቱ ወለድኺ ወይ ካልኦት ንዓኺ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብዛዕባኡ ካብ ኣገልግሎት ጥዕና ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም። ንብዙሓት ካብ ወለዲ ዝርከብ ደገፍ ኣገዳሲ እዩ። ወለድኺ ሓበሬታ ክቕበሉ ዘይትደልዪ እንተ ዄንኪ፡ ነዚ ዝዀነሉ ብቑዕ ምኽንያታት ከኣ እንተ ኣልዩኪ፡ ነዚ ከነኽብረልኪ ኢና።
ምንጻል ጥንሲ ክትገብርን ከይትገብርን እትውስን እታ ነፍሰጾር ዝዀንኪ ንስኺ ባዕልኺ ኢኺ። እዚ ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ዄንኪ እውን ዝምልከት እዩ።
ድሕሪ መበል 18 ሰሙን ዝግበር ምንጻል ጥንሲ
ኣብ መወዳእታ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ (17 ሰሙንን 6 መዓልትን) ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንተ ደሊኺ፡ ናብ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ ከተመልክቲ ኣሎኪ። እቲ ቦርድ ነቲ መመልከቲ ክምርምሮን ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ትኽእሊ እንተ ዄንኪ ነቲ ኣብ ሕጊ ተቐሚጡ ዘሎ ነገራት (ኵነታት) መሰረት ገይሩ ክውስንን እዩ። ምንጻል ጥንሲ ዝፍቀደሉ ዅነታት ኣብሕጊ ምንጻል ጥንሲተገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ 1.6.25 እንታይ ሓድሽ ሕጊ ከም ዝወጸ ኣብዚ ኽትርኢ ትኽእሊ ኢኺ (Helsedirektoratet.no,ብኖርወጅያኛ).
እቲ ሓኪም ምሳኺ ዀይኑ ንምንታይ ነቲ ጥንሲ ኸተቋርጽዮ ከም እትደልዪ ምኽንያት ክጽሕፍ ኣለዎ። ነቲ ምኽንያት ባዕልኺ እውን ክትጽሕፍዮ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ሓኪም ነቲ ምኽንያታትን ነቲ ሕቶ ምንጻል ጥንሲን ናብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዞባኹ ዝርከብ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ ይልእኮ።
ዝርዝር ቦርድ ምንጻል ጥንሲ (Helsedirektoratet.no, ብኖርወጅያኛ)
ኣብ ብዙሓት ሆስፒታላት፡ ቅድሚን ድሕሪን እቲ ምስ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ እትገብርዮ ኣኼባ ምስ ሓደ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክትማኸሪ ኢኺ። ከምዚ ዓይነት ዕድመ እንተ ዘይተቐቢልኪ፡ ባዕልኺ ኽትሓትቲ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ መመልከቲ ብኸመይ ይምርመር፧
እቲ ናይ ምንጻል ጥንሲ መመልከቲ ሓኪምን ናይ ጥዕና ወይ ማሕበራዊ ሞያዊ ትምህርቲ ዘለዎ ኣባልን ጠበቓን ብዝሓቖፈ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ ክምርመር እዩ። እንተ ደሊኺ፡ ኣብቲ ቦርድ ክትሳተፊ መሰል ኣሎኪ፣ ክትሳተፊ ግን ኣይትግደድን ኢኺ። ገሊአን ኣብቲ ኣኼባ ቦርድ ብቪድዮ ክሳተፋ ግቡእ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ደሊኽን ሓደ ሰብ ምሳኺ ናብቲ ኣኼባ ሒዝኪ ኽትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ንስኽን እቲ ምሳኺ ኣሰንዪኪ ዝመጽእ ሰብን ናብቲ ናብ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ ንእትገብርዎ ጕዕዞ ናይ ትራንስፖርት ወጻኢታት ክሽፈነልኩም ክትሓትቱ መሰል ኣሎኩም።
ኣብ ኣኼባ እቲ ቦርድ፡ ስለምንታይ ነቲ ጥንሲ ከተቋርጽዮ ከም እትደልዪ ብዝያዳ ክትገልጺ ትኽእል ኢኺ። እቲ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ፡ ንስኺ ባዕልኺ ነቲ ኩነታት ብኸመይ ከም እትግምግምዮ ዘሎኪ ርእይቶ ልዑል ትኹረት ክህብ እዩ።
እንተ ተነጺግኪ፡ እቲ ጉዳይ ብኡብኡ ናብ ቦርድ ይግባይ ምንጻል ጥንሲ ንናይ መወዳእታ ገምጋም ይለኣኽ። እንተ ደሊኺ፡ ኣብ ቅድሚ ቦርድ ይግባይ ምንጻል ጥንሲ ክትቀርቢ እውን መሰል ኣሎኪ።
Trenger du noen å snakke med?
ከተዛርብዮ እትኽእሊ ሰብ የድልየኪ ድዩ፧
ንገሊአን፡ ነቲ ጥንሲ ከቋርጻኦ ድየን ወይ ከቐጽላኦ ንምውሳን ኣጸጋሚ ክዀነን ይኽእል እዩ። እቲ ምንጻል ጥንሲ ምስ ተገብረ እውን ከከም እቲ ጥንሲ ዝጸንሓሉ ንውሓት ኣዋርሕ፡ እተፈላለየ ስምዒት ክስምዐን ይኽእል እዩ። እፎይታ ክስምዓኪ፡ ክትሓዝኒ ወይ እተፈላለየ ሕውስዋስ ስምዒታት ክስምዓኪ ልሙድ እዩ። ምስ ሰብ ምዝርራብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እትኣምንዮም ሰባት ጽቡቕ መዛትይቲ ክዀኑኺ ይኽእሉ እዮም።
ካልእ ከተዛርብዮ እትኽእሊ ሰብ ዘድልየኪ እንተ ዀይኑ፡ ምስAmatheaርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፣ እዚ ብመንግስቲ ዝድገፍን ናጻን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት እዩ።
ብተወሳኺ፡ ምስ ሓኪምኪ፡ ማእከል ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን፡ ሆስፒታል፡ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ስድራቤት ወይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብዚ ቦታታት እዚ፡ ቅድምን ድሕርን ምንጻል ጥንሲ ሓበሬታ ክህበኪ ዝኽእል እተዛራርብዮ ሰብ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ናብ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ጥዕና ኖርወይ ብቝጽሪ ተሌፎን 23 32 70 00 ብምድዋል ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምስ መን ክትዛተዪ ኸም እትኽእሊ ሓበሬታ ኽትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ኵለን ምንጻል ጥንሲ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ክትትል ምኽሪ ኽረኽባ መሰል ኣለወን። ነቲ ምኽሪ እዚ መን ክህብ ከም ዝኽእል ኣብቲ እትነብርሉ ቦታ እተመስረተ እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ሆስፒታል፡ ሓኪምኪ፡ ወይ ከኣ ማእከል ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ክህብ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ምንጻል ጥንሲ መርመራ ኣብ እትገብረሉ እዋን ብዛዕባ እዚ ምሕታት ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ዘድልየን ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዘይኰና፡ እዚ ብወለንታ ዝግበር እዩ።