ኣብተን ቀዳሞት 12 ሰሙናት ጥንሲ፡ ምንጻል ጥንሲ ክግበር ዝከኣለሉ ክልተ ሜላታት ኣለዉ፣ እዚ ድማ ብመጥባሕትን ብመድሃኒትን ዝግበር ምንጻል ጥንሲ እዩ። 

ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 90% ምንጻል ጥንሲ ብመድሃኒት እዩ ዝፍጸም።  

ክሳብ መወዳእታ መበል 12 ሰሙን ጥንሲ፡ ብዝደለኽዮ ሜላ ምንጻል ጥንሲ ኽትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፣ ድሕሪኡ ግን እቲ ምንጻል ጥንሲ ብመድሃኒት ጥራይ እዩ ዝፍጸም። 

ቍጽሪ እቶም ኣብ ማህጸኒ ዘለዉ ዕሸላት ንምንካይ ክሳብ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ ባዕልኺ ኽትውስኒ ትኽእል ኢኺ፣ እዚ ዝከኣል ግን ነቲ ምንጻል ጥንሲ ኽግበር ዘይከኣለሉ ካልእ ሕክምናዊ ምኽንያታት እንተ ዘየልዩ እዩ። ቍጽሪ እቶም ኣብ ማህጸኒ ዘለዉ ዕሸላት ምንካይ ፍሉይ ኣገባብ ተጠቒምካ እዩ ዝፍጸም። 

ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ

ብመድሃኒት ኣቢልኪ ጥንሲ ንኽትንጽሊ ክልተ ዓይነት ከኒና ክትወስዲ ኢኺ። እቲ ቐዳማይ ከኒና (ሚፈፕሪስቶን) ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝወሃበኪ። እዚ መድሃኒት ንማህጸን ነቲ ጥንሲ ደው ከም ዘብሎ ይገብር። ነቲ ከኒና ምስ ወሰድክዮ፡ መስርሕ ምንጻል ጥንሲ ተጀሚሩ ማለት እዩ። 

ነቲ ከኒና ምስ ወሰድክዮ፡ ናብ ቤትኪ ክትከዲ ኢኺ። ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልታት ናይ ተምላስ ስምዒት ክስምዓኪ፡ ቀሊል ምፍሳስ ደምን ቃንዛ ከብድን ክህልወኪ ይኽእል እዩ፣ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣይኰነናን ከምኡ ዘጋጥመን። ገለ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ቐዳማይ ከኒና ምስ ወሰዳ ምንጻል ጥንሲ ከጋጥመን ይኽእል እዩ። እዚ እንተ ኣጋጢሙ ድማ ምስ ሆስፒታል ርክብ ክትገብራ ኣለክን። 

ድሕሪ ሓደ ክሳብ ክልተ መዓልቲ፡ ነቲ ምንጻል ጥንሲ ንምዝዛም ካልኣይ ከኒና (ሚሶፕሮስቶል) ክትወስዲ ኢኺ። እቲ ከኒናታት ኣብ ርሕሚ ይኣቱ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ መልሓስ ይቕመጥ።    

ኣብቲ ከኒና ዝርከቡ ንጡፋት ንጥረ ነገራት፡ ማህጸን ከም ዝጭበጥ ይገብሩ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ማህጸንኪ ዘሎ ነገራት ክወጽእ ክብል ከሎ ከቢድ ቃንዛ ክስምዓኪ ይኽእል እዩ። ናይ ፈውሲ ቓንዛ መድሃኒት ክወሃበኪ እዩ። ካብ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ንላዕሊ ዝዀነ ደም ክፈስሰኪ ከም ዝኽእል ክትፈልጢ ኣሎኪ። ዝርግአ (ጽዕዮ) ደም ክፈስሰኪ ንቡር እዩ።   

እቲ ከኒና ምስ ወሰድኪ ድሕሪ 4-6 ሰዓታት እቲ ጥንስኺ እንተ ዘይወጺኡ፡ ክሳብ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥም ኣብ ሰሰለስተ ሰዓታት ሓድሽ ከኒና ክወሃበኪ እዩ። ዝደለኽዮ ክትበልዒን ክትሰትዪን ትኽእሊ ኢኺ። ምንቅስቓስ ክትገብሪ ጠቓሚ እዩ፣ ከመይሲ፡ ነቲ መስርሕ ከቀላጥፎን ንቓንዛ ከጕድለልክን ይኽእል እዩ። 

እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛ ድዩ ዝግበር ወይስ ኣብ ሆስፒታል ምዝዛም፧

እቲ ጥንሲ ትሕቲ 10 ሰሙን ዝጸንሐ እንተዀይኑ፡ ንስኺ ድማ ምሉእ ጥዕና ዘሎኪን ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኽን እንተ ዄንኪ፡ ነቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ገዛኺ ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብታ ምንጻል ጥንሲ እትገብረላ መዓልቲ ካልእ ዓቢ ሰብ ምሳኺ ኽህሉ ኣለዎ።  

እቲ ጥንሲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ወቕቲ ምስ ዝኸውን፡ ካብቲ እቲ ከኒና ዝወሰድክሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥም ካብ 4-6 ሰዓታት ክወስድ ልሙድ እዩ። 

ኣብ ገዛ ዝፍጸም ምንጻል ጥንሲ ከምቲ ኣብ ሆስፒታል ዝግበር ምንጻል ጥንሲ እዩ ዝፍጸም። ምስ ሆስፒታል ብኸመይ ርክብ ከም እትገብርን መዓስ ርክብ እትገብርን ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ። 

መብዛሕትኦም ኣብ ሆስፒታል ምንጻል ጥንሰን ዝውድኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ እየን ካብ ሆስፒታል ናብ ገዝአን ዝኸዳ። ኣብ ገለገለ ኣጋጣሚታት ክሳብ ንጽባሒቱ ኣብ ሆስፒታል ምጽናሕ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብመጥባሕቲ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ

ብመጥባሕቲ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንተ ዄንኪ፡ ከምቲ ብመድሃኒት ኣብ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ዝግበር፡ ኣብ ሆስፒታል ናይ መጀመርታ መርመራ ምስ ተገብረልኪ፡ ድሕሪኡ እቲ መስርሕ ምስዳድ ጥንሲ ዝግበረሉ ዕለትን ሰዓትን ክሕበረኪ እዩ። ኣብታ መጥባሕቲ ዝገበረላ መዓልቲ ንግሆ ቕድሚ መጥባሕቲ 3 ከኒናታት (ሚሶፕሮስቶል) ኣብ ርሕምኺ ክኣቱ እዩ፣ እዚ ድማ ማህጸንኪ ንምልስላስ ይሕግዝ። እዚኦም ሓሓሊፉ ገለ ምፍሳስ ደምን ቅልል ዝበለ ቃንዛን ከስዕብ ይኽእል እዩ።  

ኣብታ መጥባሕቲ ዝግበረላ መዓልቲ ምግቢ ጾይምኪ ናብ ሆስፒታል ክትመጽኢ ኣሎኪ። ጾም ማለት ቅድሚ ምምጻእኪ ኣብ ዘለዋ 6 ሰዓታት ክትበልዒ፡ ክትሰትዪ ወይ ከተትክኺ የብልክን ማለት እዩ። 

ኣብ ግዜ እቲ መጥባሕቲ ሓፈሻዊ መደንዘዚ ክወሃበኪ እዩ። እቲ ሓኪም ብርሕሚ ኣቢሉ ንመናድቕ ማህጸን ክጸርጎ እዩ። 

እቲ መስርሕ ንባዕሉ ኣስታት 10 ደቓይቕ ይወስድ። ድሕሪኡ ቅድሚ ናብ ገዛኺ ምኻድኪ ን1-2 ሰዓታት ኣብ ሆስፒታል ክትጸንሒ ልሙድ እዩ። ድሕሪ እቲ መስርሕ ቃንዛ እንተ ሃልዩኪ፡ ፈውሲ ቃንዛ ክወሃበኪ እዩ። 

ድሕሪ መበል 12 ሰሙን ጥንሲ፡ ብሰንኪ ሕክምናዊ ምኽንያታትን መጥባሕቲ ምግባር ዝለዓለ ሓደጋ ኽህልዎ ስለ ዝኽእልን፡ ምንጻል ጥንሲ ብመድሃኒት ጥራይ እዩ ዝግበር። 

ምንካይ ቍጽሪ ዕሸላት

ምንካይ ቍጽሪ ዕሸላት፡ ኣብ ማህጸን ክልተ ወይ ልዕሊኡ ዕሸላት ኣብ ዘለዎ ጥንሲ፡ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ዕሸላት ብህይወት እናቐጸለ፡ ምዕባለ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ዕሸላት ደው ዝብለሉ ኣገባብ እዩ። እቲ መስርሕ ንባዕሉ ኣብ ልቢ እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ዕሸል ፖታስየም ክሎራይድ ብምውጋእ እዩ ዝፍጸም፣ እዚ ድማ ህርመት ደው ከብል ይገብሮ። 

ዕላማ እቲ ምንካይ ቍጽሪ ዕሸላት፡ እቲ ዝተረፈ ዕሸል (ወይ ዕሸላት) ጥንሲ ክቕጽል፡ ብፍላይ ድማ ብእተኻእለ መጠን መዓልቶም ሓልዮም ክውለዱ ንምሕጋዝ እዩ።  

ቍጽሪ እቶም ኣብ ማህጸኒ ዘለዉ ዕሸላት ንምንካይ ክሳብ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ ባዕልኺ ኽትውስኒ ትኽእል ኢኺ፣ እዚ ዝከኣል ግን ነቲ ምንጻል ጥንሲ ኽግበር ዘይከኣለሉ ካልእ ሕክምናዊ ምኽንያታት እንተ ዘየልዩ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ዕሸላት መዳሕንቲ ብሓባር ክጥቀሙ እንተ ጀሚሮም፡ እቲ መስርሕ ምንካይ ቍጽሪ ዕሸላት ክግበር ኣይከኣልን እዩ። 

ድሕሪ መበል 18 ሰሙን ዝግበር ምንጻል ጥንሲ 

ኣብ መወዳእታ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ (17 ሰሙንን 6 መዓልትን) ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንተ ደሊኺ፡ ናብ ቦርድ ምንጻል ጥንሲ ከተመልክቲ ኣሎኪ። እቲ ቦርድ ነቲ መመልከቲ ክምርምሮን ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ትኽእሊ እንተ ዄንኪ ነቲ ኣብ ሕጊ ተቐሚጡ ዘሎ ነገራት (ኵነታት) መሰረት ገይሩ ክውስንን እዩ። ምንጻል ጥንሲ ዝፍቀደሉ ዅነታት ኣብ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ(Abortloven, ብኖርወጅያኛ)ተገሊጹ ኣሎ። 

ብዛዕባ ኣብዚ ኸተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ፦abort etter uke 18 her. 

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ

ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ከቢድ ምፍሳስ ደምን ቃንዛ ከብድን ከጋጥመን ይኽእል እዩ። መብዛሕትአን ኣብ ውሽጢ 2-3 ሰሙን እቲ ዝፈስሰን ደም እናነከየ ክኸይድ እዩ።  

መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ብመጥባሕቲ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ዝመጽእ ጎናዊ ሳዕቤናት ውሑድ እዩ፣ መብዛሕትኡ ሜላታት ድማ ዘይተሓላለኸ እዩ። እቶም ዝበዝሕ ጸገማት ምስ መደንዘዚ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ከም ዕግርግር ምባልን ተምላስን ዝኣመሰሉ እዮም። ሳሕቲ፡ ኣብ ማህጸን፡ ፍሕኛ ሽንቲ፡ መዓንጣ ጉድኣት የጋጥም። 

ድሕሪ እቲ ብመድሃኒት ኰነ ብመጥባሕቲ ዝገበር ምንጻል ጥንሲ ምስ ገበርኪ ኣብ ዘለዋ ቐዳሞት ክልተ ሰሙናት ወይ እቲ ደም ምፍሳስ ደው ክሳዕ ዝብለልኪ ጾታዊ ርክብ ክትገብሪ ኣይግባእን። እቲ ምፍሳስ ደም ክሳዕ ዘየቋረጸ፡ ረኽሲ መታን ከየጋጥመኪ፡ ታምፖን ዘይኰነስ፡ ፓድ ክትጥቀሚ ኣሎኪ። 

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ እተፈላለየ ምናልባት እውን ዘይተጸበኽዮ ስምዒታት ከጋጥመኪ ንቡር እዩ። ገለ ኻብቲ ምኽንያት ከኣ ኣካላትኪ ብናይ ሆርሞናት ለውጢ ስለ ዝዝሓልፍ እዩ።  

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ፡ እንተ ደሊኺ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። 

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዝግበር ክትትል

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዝግበር ሕክምናዊ ክትትል የለን። ክግበር ዝኽእል መርመራ ብሓፈሻዊ ሓኪምኪ ወይ ከኣ ብናይ ማህጸን ሓኪም ክግበር ይከኣል እዩ።  ክትትል ክግበረልኪ እንተ ደሊኺ፡ ባዕልኺ ቘጸራ ኽትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። 

ኵለን ምንጻል ጥንሲ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ክትትል ምኽሪ ኽረኽባ መሰል ኣለወን። ነቲ ምኽሪ እዚ መን ክህብ ከም ዝኽእል ኣብቲ እትነብርሉ ቦታ እተመስረተ እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ሆስፒታል፡ ሓኪምኪ፡ ወይ ከኣ ማእከል ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ክህብ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ምንጻል ጥንሲ መርመራ ኣብ እትገብረሉ እዋን ብዛዕባ እዚ ምሕታት ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ዘድልየን ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዘይኰና፡ እዚ ብወለንታ ዝግበር እዩ።  

ከም ረስኒ፡ ምውሳኽ ቃንዛ ወይ ከቢድ ምፍሳስ ደም ዝኣመሰሉ ጸገማት እንተ ተፈጢሮም፡ ምስ ሆስፒታል ርክብ ክትገብሪ ኣሎኪ። 

ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን፡ እቲ ጥንሲ ከም ዘቋረጸ ንምርግጋጽ መርመራ ጥንሲ ክትገብሪ ኣሎኪ። ድሕሪ 6 ሰሙን ወርሓዊ ጽግያትኪ እንተ ዘይተመሊሱ፡ ገና ነፍሰጾር እንተ ዄንኪ ንምፍላጥ ምስ ሓኪምኪ ክትራኸቢ ኣሎኪ። እቲ ሕክምና ዘይዕዉት ዝኸውን ሳሕቲ እዩ።

ከተዛርብዮ እትኽእሊ ሰብ የድልየኪ ድዩ፧

ጥንሲ ንምቁራጽ ምውሳን ከቢድ ውሳነ ክኸውን ይኽእል እዩ። እትኣምንዮም ሰባት ጽቡቕ መዛትይቲ ክዀኑኺ ይኽእሉ እዮም።  

ካልእ ከተዛርብዮ እትኽእሊ ሰብ ዘድልየኪ እንተ ዀይኑ፡ ምስAmatheaርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፣ እዚ ብመንግስቲ ዝድገፍን ናጻን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት እዩ። 

ብተወሳኺ፡ ምስ ሓኪምኪ፡ ማእከል ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን፡ ሆስፒታል፡ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ስድራቤት ወይ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብዚ ቦታታት እዚ፡ ቅድምን ድሕርን ምንጻል ጥንሲ ሓበሬታ ክህበኪ ዝኽእል እተዛራርብዮ ሰብ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ናብ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ጥዕና ኖርወይ ብቝጽሪ ተሌፎን 23 32 70 00 ብምድዋል ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምስ መን ክትዛተዪ ኸም እትኽእሊ ሓበሬታ ኽትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።  

ኵሎም ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ። 

ቤት ጽሕፈት ጥዕና ኖርወይ (Helsenorge) እውን ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ብጽሑፍ እትዛራረበሉ ኣገልግሎት ኣለዎ። 

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ 30. ግንቦት 2025

Fant du det du lette etter?